እንኳዕ ደሓን መጻእኩም!
እዚ ነጻን ብብዙሕ ቋንቋታት ዝዛረብን ኣገልግሎት ቴሌፎን ኮይኑ፡ ብሴቭ ዘ ቺልድረን (Save The Children) ዝወሃብ እዩ።
ኣብ ኢጣልያ ንዝኣተዉ ትሕቲ ዕድመ ስደተኛታት፡ ኣብ ኢጣልያ ወይ ካልኦት ሃገራት ንዝነብሩ ኣባላት ስድራቤቶም፡ ኣብ መቐበሊ ኣጋይሽን ማሕበረሰባትን ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት፡ ትካላት፡ ማሕበራትን ዝዓለመ እዩ።
ኣበይ ኣለና?
ሓገዝ እንተደሊኹምን ኣብ ሮማ፡ ካታንያ፡ ቱሪን፡ ወይ ሚላኖ እንተሃሊኹምን ክትረኽቡና ትኽእሉ ኢኹም። ናብ ማእከላት ሲቪኮዚሮ (CivicoZero) ንዑ!
ሲቪኮ ዜሮ (Civico Zero) እንታይ እዩ?
- ክትዘናጋዕን ሓደስቲ ኣዕሩኽ ክትረኽበሉን እትኽእለሉ ቦታ
ስፖርት፡ስነ-ጥበብ፡ ባህሊ፡ ሙዚቃ፡ ትያትርን ቋንቋ ጥልያንን ኮርሳት ክትረኽበሉ እትኽእል ቦታ። - ሕጋዊ ሓገዝ
ምስቋንቋኻ ዝዛረቡ ክኢላታት ሕጊ ዝግበር ኣኼባታት። - ደገፍ ንናጽነት
ሓበሬታ፡ምኽርን ሞያዊ መምርሕን፡ ጽሑፍ ሲቪ፡ ናይ ስራሕ መመልከቲ፡ ከምኡ’ውን ምድላው ቃለ መሕትት ስራሕ።
መሰል ትሕቲ ዕድመወጻእተኛታት
ካብ ዝኾነ ዓይነት ግህሰት፡ ግፍዒ፡ ወይ ምዝመዛ ክትሕሎ መሰል ኣሎካ!
እዚኦም መሰላትኩም ከም ትሕቲዕድመ ወጻእተኛ ኣብኢጣልያ
ኣብ ንጥፈታትና ንዝሳተፉ ሰባት ብኸመይ ንከላኸለሎም
ንሕና ኣብ ሴቭ ዘ ቺልድረን (Save The Children) ፣ ከምኡ እውን ዝኾነ ዝሰርሓልና ሰብ ከኽብረኩምን ኩሉ ግዜ ኣብ ልዕሌኹም ፍትሓዊ ተግባር ክገብርን ይግባእ። ዝኾነ ካባና ነዞም ሕግታት ዘይክተል እንተሃልዩን ሓገዝ ምስ ዘድልየኩምን፡ በዚ ዝስዕብ ርኸቡ፤
ሃገራዊ ሓላፊ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ሴቭ ዘ ቺልድረን
- Phone ስልኪ: +39 340 1399514
- ናይ ብሕቲ ቻነል፤ https://savethechildren.integrityline.com (ዋላ ሽም ከይተገልጸካ እውን)
ብኻልእ ቋንቋታት ሓበሬታ ንምርካብ ኣብ: Safeguarding Information page ሓበሬታ ምሕላው ገጽ